ቻትጂፒቲ (ChatGpt ) ዘምጽኦም ዘለው ረብሓታትን ስግኣታትን

9 ለካቲት፣2015- ብውሑዱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጊዜ እተሕልፉ ወይ’ውን ዜናታት ቴክኖሎጂ እትከታተሉ እንተዀይንኩም ብዛዕባ ‘ቻትጂፒቲ’ (ChatGpt ) ሰሚዕኹም ትዀኑ ኢኹም።

ኣዝዩ ዝተራቐቐን ቅልል ዝበለን እዩ፤ ኣብ ዝደለኹሞ ሰዓት ክኣ ዝዀነ ዓይነት ሕቶ ሓቲትኩምዎ መልሲ የብለይን ኣይብልን። እኳ ድኣ ክንዲ ድላይኩም የዕልለኩም።

መስራቲ ኦፒያን ኣናላይቲክስ ዝዀነ ዘላለም ግዛቸው እዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ እንተደሊኹም ልክዕ ከም ሮቦት ሕሰቡዎ ይብለና።

“ብዝዀነ ቋንቋ ክሳብ 2021 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዘለው ወዲ ሰብ ንዓመታት ዘዋህለሎም ሓበሬታታት ሒዙ ኣዝዩ ዕምቈት ብዘለዎ ፍልጠት ዝሰልጠነ ቴክኖሎጂ እዩ” ክብል የረድእ።

ንኣብነት ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለየ ውህሉል ሓበሬታ ዘለዎም ጉግልን ቢንግን ክንጥቀም ጸኒሕና ኢና። ብዛዕባ ሓደ ነገር ዝተወከስናዮ ስልተ ቀመር ጉግል ተመሳሰልቲ ዝዀኑ ነገራት ኣሊሹ መልሲ ይህበና።

እዚ ሰብ ስርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ድማ ካብ ኢንተርነት፣ መጽሓፍትን ዊኪፒዲያን ሓበሬታታት ብምትእኽኻብ ዝሰልጠነ ኰይኑ ብጠቕላላ 300 ቢሊዮን ቃላት ኣብ ውሽጢ ስርዓት ቻትጂፒቲ ተኻቲቶም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ወግዓዊ ዝዀነ ቻትጂፒቲ (Chat generative pre-trained transformer) ድማ ካብ ጉግልን ቢንግል ብዝተፈለየ መልክዑ ዝዀነ ዓይነት ጽሑፋት ምድላው፣ ሓበሬታ ምርካብ፣ ናይ ቢዝነስ ፕሮፖዛል ወይ መግቢ ምድላው ምስ እትደልዩ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ኣዳልዩ ዝህብ መሳርሒ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እዩ።

ቻትጂፒቲ ብብዝሒ ከም ዝጥቀም ዝዛረብ ክኢላ ቴክኖሎጂ ዘላለም “ንዓይ ስርሐይ ኣፋዂሱለይ’ዩ፤ ብቻትጂፒቲ ዘይሰርሖ የለን” ክብል ንኢትዮጵያ ቼክ ተዛሪቡ።

Open AI ዘመሓድሮ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ‘InstructGPT’ ጐዳእትን ዘጋግዩን መልሲታት የሹልኽ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ሕጂ ትኹረት ብዙሓት ክስሕብ ዝኽኣለ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ቻትጂፒቲ ድማ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብሉ ተንተንቲ ቴክኖሎጂ ኣለው።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ዓቕሚ ክህልዎ’ዩ ዝብል ስግኣት ብዙሓት የልዕሉ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ነቲ ስርዓት እንሓቶ ሕቶ መልሱ ክሳብ ዘይፈለጥናዮ እቲ ዝህበና መልሲ ዝህልዎ ስሕተት ክሳብ ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ዝብል እዩ።

እዚ ማለት እቲ ቴክኖሎጂ ክሳብ 2021 ኣብ ኢንተርነት ዘለው ሓበሬታታት ዝሓዘ ኰይኑ ድሕሪኡ ዘለው ሓደሽቲ ሓበሬታታት ባዕሉ ክመሃር ዘይምኽኣሉን ኢንተርነት ብዙሓት ግጉያት ሓበሬታት ዝተመልአ ምዃኑን ነቲ ስግኣት ፈጢሩዎ እዩ።

ኩባኒያ ኦፕን ኤኣይ ቅድሚ ኣዋርሕ ን‘ChatGPT’ ወግዓዊ ክገብር እንከሎ ጸገም ዘለዎም ምላሻት ከምጽእን ዝንቡዕ ባህሪ ከርኢ ከም ዝኽእንል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብተወሳኺ ሓሓሊፉ ዘእምኑ ግን ድማ ዝተስሓሓቱ ወይ ትርጉም ዘይብሎም መልስታት ክጽሕፍ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣብ ቀጻሊ እቲ ስርዓት ንምምሕያሽ ሓጋዚ ግብረ መልሲ ንምእካብ ክፉት ምዃኑ ኣብሪሁ እዩ።

ተወሳኺ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ሓበሬታ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ናይ ባዕሉ እጃም ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ክኢላ ቴክኖሎጂ ዘላለም ብወገኑ “ሓደ ቅልጡፍን ዝሰልጠነ ሮቦትን እዩ። ሓደ ሰብ ድማ ብዝደልዮ መገዲ’ዩ ሓበሬታ ዘቕርብ። ሓሓሊፉ ንግጉይ ሓበሬታ ክውዕሉ ዝኽሉ ነገራት ክህልው ከም ዝኽእሉ ይፍለጥ እዩ። በዚ ዝደለኻዮ ነገር ንምግባር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ፤ ስለዚ ንግጉይ ሓበሬታ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእለሉ መገዲ የለን” ክብል የብርህ።

ክኢላታት ቴክኖሎጂ መብዛሕትኡ ግዜ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ዕጫ ከምዚኦም ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ክቈጻጸሩዎ ከም ዘይኽእሉ ብምግላጽ  የጠንቅቑ።

ከም ChatGPT፣ LaMDA  ከምኡ’ውን Galactica ዝበሉ ስርዓታት ድማ ብነጻነት ንዓመታት ዝተዘርግሑ ሓበሬታት፣ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትን ኣብ ኮድ ኮምፒዩተርን ዝተሞርኰሱ’ዮም።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::