ጥዕና ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት 7፣ 2014 ጀሚሩ ካልኣይ ዙር ኽታበት ኮቪድ-19 ብወፍሪ ከምዝዋሃብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ንዚውን ናብ ኩሎም ክልላት ልዕሊ 20 ሚሊየን ኽታበትን ዝሰልጠኑ በዓል ሞያታትን ከምዝለኣኸ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ወፍሪ ኽታበት ንዘይወስዱ፣ ነገር ግን ናይመጀመርታ ኽታበት ንዝወሰዱ ሰባት ተወሳኺ ናይ መጠናኸሪ ኽታበት (Booster Dose) ክወስዱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ።

መጠናኸሪ ኽታበት ዝውሰድ ዝተማለአ ኽታበት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምውሳድን ዓቕሚ ምክልኻል ምስተረኸበ ኣብ ከይዲ ጊዜ ንዝፍጠር ምንካይ ንምዕራይ ዝዋሃብ ተወሳኺ ኽታበት እዩ። ብወርሒ ነሓሰ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ሲዲሲ (US-CDC) ገጺ ኣብ ነበርቲ ከተማ ኒውዮርክ ዝተገበረ መጽናዕቲ፣ ኣብውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ውጽኢታውነት ኮቪድ ኽታበት ካብ 92% ናብ 80% ከምዝንክይ ሓቢሩ እዩ።

እዚ ማለት ከዓ ናይ መጀመርታ ኽታበት ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ከይዲ ጊዜ ንዝፍጠር ምንካይ ዓቕሚ ምክልኻል እቲ መጠናኸሪ ኽታበት ክብ ንኽብል ብምግባር ብኮቪድ-19 ናይምትሓዝ ዕድልና ከምኡ’ውን ብምኽንያት እቲ ሕማም ንዝመጽእ ስቓይ ይቕንስ እዩ ማለት እዩ።

ንኣብነት ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ጥሪ 22፣ 2021 ናይ ሕክምና ማህበር ኣሜሪካ ምርምር መጽሄት (Journal of American Medica Association) ኣብዘወጽአ ናይ ምርምር ጽሑፍ፣ ዝተማለአ ናይ መጀመርታ ዙር ኽታበት ወሲዶም ድሕሪ ኣዋርሕ ከዓ ናይ መጠናኸሪ ኽታበት ዝወሰዱ ሰባት ዝሓሸ ብቕዓት ምክልኻል ከምዝህልዎም ከምኡ’ውን ብምኽንያት እቲ ሕማም ዝመጽእ ስቓይን ሞትን ዝቐነሰ ከምዝኸውን ኣመላኺቱ እዩ። ካልኦት ናይ ምርምር ጽሑፋት’ውን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ውጽኢት ከምዘርኣዩ’ውን ርኢና ኢና።

ስለዝኾነ’ውን መጠናኸሪ ኽታበት ኮቪድ-19 ዝድልዮም እንተኾይኑ ንምፍላጥ ንበዓል ሞያታት ያማኽሩ፤ ኽታበት ይውሰዱ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::