መሰረቶም ኣብ ኢንተርኔት ዝገበሩ ናይ ምትላል ተግባራት!

መሰረቶም ኣብ ኢንተርኔት ዝገበሩ ናይ ምትላል ተግባራት ብጣዕሚ እናወሰኹ ከምዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበሩ መጽናዕትታት ኣርኢዮም እዮም። ንኣብነት ቅድሚ ሰሙን ‘PIXM’ ዝተብሃለ ትካል ደሕንነት ሳይበር ዘውጽኦ ሪፖርት መጽናዕቲ ከምዝገለጾ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ 8.5 ሚሊየን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ግዳይ ምትላል ተግባራት ኮይኖም እዮም።

መብዛሕትኦም ናይ ምትላል ተግባራት ኣብ ፌስቡክ ሜሴንጀር ብዝስደዱ ናይ ምእማንን ናይ ሽጣራን ሊንክ (links) ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ ርዩ።

ብርክት ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ቼክ ተኸታተልቲ’ውን ናይ ምትላል ፈተነ ከምዝኾነ ዝጠርጠሩዎ ሊንክ ክነጻርየሎም ብተደጋጋሚ ሕቶታቶም ይሰዱልና እዮም።

ንምትላል ዝላኣኽ ሊንክ ደሕንነትን እሙንነትን ንምጽራይ ክልተ መገድታት ኣለዉ። ፈላማይ መገዲ ነቲ ሊንክ ኣጸቢቕካ ምርኣይ እዩ። ነዚ ብምግባር ኣብቲ ሊንክ ዝተጽሓፉ ቃላት፣ ቁጽርታትን ምልክታትን ናይቲ ገጺ ደሕንነትን እሙንነትን ብዝምልከት ኣንፈት ክህቡና ይኽእሉ እዮም።

ካልኣይ ከዓ ናይቲ ሊንክ ደሕንነትን እሙንነትን ዘጻርዩ መሳርሒታት ምጥቃም እዩ። ጉግል ትራንስፓረንሲ ሪፖርት (Google Transparency Report)፣ ኖርቶን ሴፍ ዌብን (Norton Safe Web) ፊሽታንክን (PhishTank) ካብቶም ዘለዉ ናይ ሊንክ መጻረዪ መሳርሒታት ዝጥቀሱ እዮም።

1. Google Transparency Report: እዚ ብጉግል ዝቐረበ መሳርሒ ነቲ ንጥርጥሮ ሊንክ ክነጻሪ የኽእለና እዩ። ነቲ ገጺ ብምኽፋት ናይቲ ሊንክ URL ኣብቲ መአለሺ ቦታ ኣእቲና ብምእላሽ እቲ ዘእተናዮ ሊንክ እሙን ምዃን ዘምዃኑ ዝምልከት መረዳእታ ይህበና እዩ። https://transparencyreport.google.com/safe-browsing/search?hl=en  

2. Norton Safe Web: ብተመሳሳሊ እዚ መሳርሒ ናይ ሊንክ ደሕንነትን እሙንነትን ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ። ናይ Norton Safe Web ገጺ ብምኽፋት ክነጻርዮ ዝሓሰብናዮ ሊንክ ኣብ ዝተዘጋጀወሉ ቦታ ኣእቲና ብምእላሽ እቲ ዘእተናዮ ሊንክ እሙን ምዃን ዘምዃኑ ዝምልከት መረዳእታ ይህበና እዩ። ብተወሳኺ ናይቲ ሊንክ ተጠቀምቲ ዝሃቡዎ ምስክርነት ኣብኡ ይርከቡ እዮም። https://safeweb.norton.com/ 

3. PhishTank: እዚ መሳርሒ ሓደ ሊንክ ናብ መታለልቲ ዝወስደ ምዃን ዘይምዃኖም ንምፍላጥ ይሕግዙ እዮም። ናይ PhishTank ገጺ ብምኽፋት ነቲ ነጻሪዮ ሊንክ ኣብ ዝተዘጋጀወሉ ቦታ ኣእቲና ብምእላሽ እቲ ዘእተናዮ ሊንክ ናብ መታለልቲ ዝወስድ ምዃን ዘምዃኑ ዝምልከት መረዳእታ ይህበና እዩ። https://www.phishtank.com/ 

ብኢሜይል፣ ብቴሌሌግራም፣ ብዋትስአፕ፣ ብሜሴንጀርን ካልኦት ብኢንተርኔት ተመስሪቶም ካብ ዘለዉ መራኸብታትን ዝበጽሐና ዘጠራጥር ሊንክ ኣደዳ መታለልትን መረዳእታ ሰረቕትን ክገብሩና ስለዝኽእሉ ክሊክ ቅድሚ ምግባርና ነጻርይ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::