ብሽም ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ትግራይ ዝተኸፈተ ናይ ሕሶት ፌስቡክ ገጺ! 

ልዕሊ 68,000 ሺሕ ተኸተልቲ ዘለዉዎን ልዕሊ 65,000 ሺሕ ጊዜ ላይክ ዝረኸበ እዚ ዘይሓቀኛ ገጺ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ምንቕስቓሳቱ ዝወሰኸ እንትኾን ቅድሚ እዚ ጊዜ ንኽልተ ኣዋርሕ ምንም ዓይነት ትሕዝቶ ከይጠቀዐ ጸኒሑ እዩ። 

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ትግራይ ኣይተ ሃፍታይ ገብረ እግዚኣብሄር ንኢትዮጵያ ቼክ ከምዘረጋገጹዎ፣ እዚ ናይ ፌስቡክ ገጺ ብቤት ጽሕፈት ብልጽግና ትግራይ ዝመሓዳደር አይኮነን። 

እዚ ናይ ሕሶት ፌስቡክ ገጺ ሎሚ “የትግራይ ብልጽግና ፓርቲ ጽ/ቤት – Prosperity Party” ዝብል ሽም ዘለዎ እንትኾን፣ ሕዳር 2012 ዓ.ም. ግና “Alibaba.com – Ethiopia” ብዝብል ሽም ከምዝተኸፈተ ካብቲ ገጺ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የርኢ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::