ባንዴራ ሕወሓት ወይስ ትግራይ?

ሓምለ 7 2014 ኣብ ዩኒቨርስቲ ኤደንብራ ዘኽበሮ ናይ ተምሃሮ በዓል ምረቓ ናይ ትካል ጥዕና ዓለም ዳይሬክተርዝኾኑ / ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ክብሪ ዲግሪ ሂቡዎም እዩ።

ነዚ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ትሕዝቶታት እቲ ዩንቨርስቲንባንዴራ ሕወሓትዝመስል ናይምርቓ ካባ ንዶ/ ቴድሮስ ክኽደኑ ገይሩ እዩ ዝብልን ካልኦት ተመሳሳሊ ሓበሬታታት እናተዘዋወሩ ከምዝኾነኢትዮጵያ ቼክ ተዓዚቡ እዩ።

ኣብቲ ምስሊ ዝረኣይ ዘሎ ባንዴራ ናይ ሕወሓት ባንዴራ ወይ ከዓ ኣርማ ከምዘይኮነ፣ የግዳስ ዕላዊ ባንዴራ ክልልትግራይ ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ቼክ ተዓዚቡ እዩ።

ብተወሳኺ ዩንቨርስቲ ኤደንብራ ንዶ/ ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ክብሪ ዲግሪ ኣብዝሃበሉ እዋን ዝተኸደኑዎ ካባኒል ኣርምስትሮንግውን ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓ 2008 ናይ ክብሪ ዲግሪ ኣብዝተውሃቦ ጊዜ ተኸዲኑዎ ነይሩ።

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ብራዚላዊ ፔሌን ባዓል ኦሎምፒክ ሜዳልያ ዝኾነት ካትሪን ግሬንገርን ኣብ 2012 ተመሳሳሊ ማዕረግ ዘለዎ ክብሪ እቲ ዩንቨርስቲ ሂቡዎም ነይሩ። ቀለሙውን / ቴድሮስ ኣድሓኖምተኸዲኖምዎ ምስዝነበረ ካባ ተመሳሳሊ እዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::