ግጉይ ትሕዝቶታት ኮቪድ-19!

መረድኢታት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዘርእይዎ ብኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቑጽሪ ልዕሊ 436 ሺህ በጺሑ’ሎ። ኣስታት 7 ሺህ ሰባት ዝኾኑ ሰባት ከዓ እቲ ቫይረስ ብዘስዕቦ ሕማም ሞይቶም እዮም። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጸኦ ደረጃ ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ቐጺላ ብዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ካልአይቲ ኣፍሪካዊት ዓዲ ንኽትከውን ገይሩዋ እዩ።

እዚ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ሪፖርት ካብዝተገበረሉ ወርሒ መጋቢት፣ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብዙሕ ዜናታት ሓሶትን ዘጋግዩ መረዳእታታትን ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ክኸብድ ገይሩዎ ጸኒሑ እዩ። ቅድም ኢሉ እቲ ብሰፊሑ ዝዝውተር ዝነበረ እቲ ሕማም ብሱሩ የለን ዝብል ውዲት ትንታነ ነቶም ዝግበሩ ንዝነበሩ ጻዕርታት ዘዕግብ ውጽኢት ከመዝግቡ ኣየኽኣሎምን። ንምክልኻል ኮቪድ-19 እቲ ቐሊል መንገዲ ማስክ ምግባር እንተኾነ’ኳ፣ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ምኽሪ ብምንጻግ እቲ ለበዳ ሐዚ ኣብዘለሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ኽታበት ኮሮና ቫይረስ ድሕሪ ምርካቡ ከዓ ነቲ ኽታበት ኣዚዮም ዝቓወሙ ትሕዝቶታት ብሰፊሑ ይራኣዩ ኣለዉ።

ንምንታይ እዩ ግን ዜናታት ሓሶትን ዘጋግዩ መረዳእታታትን ኣብ ከምዚ ብዝበሉ እዋናት ዝበዝሑ? ዓብዪ ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ከም በዓል እዚኦም ብዝኣመሰሉ ትሕዝቶታት ንምንታይ እዩ’ኸ ዝጋገ? እቶም ዝበለጹ ምኽንያታት እዚኦም እዮም፦

* ዘርዕዱ ኣርእስተ-ዜናታት ምጥቃም ሓደ እዩ። ክሊክቤይት (Clickbaits) ዜና ብምውዕዋዕ ብርክት ዝበሉ ተመልከቲ ንምርካብ ምፍታን ማለት እዩ። ክሊክቤይት ንስምዒትና ዝቀረበ፣ ድልየት ዝፈጥር፣ ንምሕላፍ ዘጸግም ርእሰ ዜና (headline) ከምኡ’ውን ብደምቢ ዝተቀናበረ ፎቶ ብምጥቃም ንሊንክታት ክንክተል ወይ ከዓ ቪዲዮታት ንኽንከፍት ዝደፋፍኡ ገጻትን ቻናላትን ክኾኑ ከለዉ፣ ናብ ውሽጢ ኣቲና ንትሕዝትኦም ክንምልከት ከለና ምስቲ ርእስ ዜና ዘይራኸብ፣ ምንም ፍልፍል ዘይብሉ፣ ካብትን ካብዝን ዝተኣራረየ ኾይኑ ንረኽቦ።

* ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶታት ኾነ ኢሉ ዝሕወስ ሓሶት’ውን ካሊእ መገዲ እዩ። ናብቲ ዝዓበየ ሓቂ እታ ትሕወስ ንእሽተይ ሓሶት ነቲ ትሕዝቶ ክምቅር ይገብሮ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ፣ ሳዕቤኑ ዘየገድሶም ሰባት ዘጋግይ ትሕዝቶ ሒዞም ናብ ሚዲያ ይቐርቡ። ገሊኦም ተፈላጥነት ንምርካብ፣ ገገሊኦም ከዓ ኣብቲ ርእሰ-ነገር ዘለዎም ፍልጠት ዝታሓተ ስለዝኾነ ዝገብሩዎ’ዩ።

* ኣብ ሃይማኖት ዘለዎም ውፉይነት ነቲ ስለ ኮቪድ ኣጸቢቑ ንዝፍለጥ ሓቂ ሸለል ንኽብሉዎ ዝገብሮም ሰባት ዜናታት ሓሶትን ዘጋግዩ መረዳእታታትን ዘጋውሑ እዮም።

* ነቲ ለበዳ ወይ ከዓ ነቲ ኽታበት ዝምልከት ብቐልዲ ዝተጀመረ ዘረባ ይኹን ጽሑፍ ድሕሪ ጊዜ ናብ ዓብዪ ዜና ተቐዪሩ ዝረኸብናሉ ጊዜ ብዙሕ ስለዝኾነ ንምጽራይ ዘኽእለና ስጎምትታት ብምውሳድ ክንከላኸሎ ይግባእ።

* ኣብ ጋዜጠኛነት ዘሎ ሸለልታን ዘይብቑዕነት’ውን ንናይ ሓሶትን ዘጋግዩን መረዳእታታት ምግዋሕ እቲ ካሊእ ምኽንያት እዩ። ሽም ዘለዎም ዓበይቲ ትካላት ሚዲያ ብዛዕባ እቲ ትሕዝቶ ዝበሉዎ ነገር እንተሃሊዩ ምርኣይ መርገጽ ንምሓዝ ጠቓሚ ስለዝኾነ ንካልኦት ወሃብቲ ሓበሬታ ምጥማት ግቡእ እዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::