ትኽክለኛ ምስሊ ድዩ?

ብዝሓለፉ ቁሩብ መዓልትታት ናይ ሽግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኣይተ ታምራት ላይኔን ናይ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ መካየዲ ዋና ስራሕ ዝኾኑ ኣይተ ኣሉላ ሰለሙንን ኣብ መድረኽ ግኒንጎኒ ኮፍ ኢሎም ዘርኢ ምስሊ እናተዘዋወረ ከምዝኾነ ኣስተውዒልና ኔርና።

እቲ ምስሊ ለውጢ ዝተገበረሉ (ፎቶሾፕ ዝተገበረ) ከምዝኾነ እኹል ምልክታት ከምዘለዉዎ ናይ ፎረንሲክ መሳርሒታት ብምጥቃም ኣጻሪና ኢና። ናይቶም ክልተ ውልቀሰባት ፎቶ’ውን ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመትን ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ትሕዝቶታትን ከምዝተፈነዉ ክነረጋግጽ ክኢልና ኢና። 

ናይ ኣይተ ታምራት ላይኔ ምስሊ ነሓሰ 15፣ 2011 ኣብ ሓደ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ገጺ ዝተጋወሐ ዝጸንሐ ምስሊ ከምዝኾነ ኣረጋግጽና ኢና። ነዚ ምስሊ ኣግድም ብምግልባጥን (mirroring) ነቲ ምስሊ ብቐይሕ መስመር ምልክት ኣብዝገበርናሉ ቦታ ብምቑራጽ (cropping) መኣረምታ ንምግባር ከምዝተፈተነ’ውን ምርግጋጽ ክኢልና ኢና።

ዘጋግዩን ዝተተናኸፉ ምስልትታት ብዘይ ምጥቃም ናይ ሓሶት መረዳእታ ፈነወ ንኽቕንስ እጃምና ነበርክት።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::