ንብዙሓት ዘጋገየ ናይ ኤሎን መስክ ካብ ትዊተር ከምተኣገደ ዝገልጽ ዜና

ቢሊየር ዝኾኑ ኤሎን መስክ ኣብዚ ቅነ ናይ ብዙሓት ኣቓልቦ ዝረከበ ውሳነ ክበጽሑ ኣብ ጫፍ ዝበጽሑ እዮም ዝመስሉ። ናይ ንግዲ ማግኔት ዝብል ቅጽል ሽም ዝተውሃቦም እዞም በዓል ሃብቲ ብጠበቓኦም ኣቢሎም ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ንተዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንኽዕድጉ ዝኣተዉዎ ውዕሊ ከፍርሱ ከም ዝደልዩ ዝገለጹ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኢዩ ነይሩ።

ናብዚ ውሳነ ዘብጸሐኒ ምኽንያት እዩ ኢሎም ካብ ዝገለጹዎ ጉዳይ እቲ ሓደ፣ ኣብልዕሊ እቲ መድረኽ (ፕላትፎርም) ኣሎ እዩ ኢሉ ትዊተር ዝገለጾ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ቁጽሪ ከረጋግጹ ዘይምኽኣሎም ከምዝኾነ ጠቒሶም እዮም።

“ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ዘለዉ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ትዊተር ንኢሎን መስክ ዘቕረቦም ሓበሬታታት ሓሶትን ዘስሕቱን እዮም” ኢሎም እዮም ናብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ። ነቲ ጕዳይ ዝቐርቡ ሰባቡ’ውን እዚ ዘይምስምማዕ ናብ ውጥረት ተቐዪሩ ናብ ቤት ፍርዲ ክምርሕ ከም ዝኽእል ይትንብዩ ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ ሓደ ተጠቃማይ ትዊተር ‘ኤሎን መስክ ትዊተር ናይ ምዕዳግ ሓሳቡ ስለዝገደፎ ካብ ትዊተር ተኣጊዱ ኢዩ’ ምስ ዝብል ዜና ነቲ እገዳ ዝገልጽ ናይ ስክሪን ቅዳሕ (screenshot) ኣተሓሒዙ ትዊት ይገብር። እዚ ትሕዝቶ ኣብ ሓጺር ጊዜ ልዕሊ 24 ሽሕ ሪትዊት፣ ካብ 136 ሽሕ ጊዜ ንላዕሊ ናይ ምፍታው (Like) ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቝጸር ርኢቶታት ኣአንጊዱ እዩ።

ግና እቲ ኤሎን መስክ ተኣጊዱ እዩ ዝብል ሓበሬታ ናይ ሓሶት ወይ ከዓ ዘስሕት ምዃኑ ዝሕብር ሓደ ምልክት ነይሩዎ። ነዚ ሓበሬታ ዘካፈለ ተጠቃማይ ኣብ ትዊተር ገጹ ዝጽሕፎም ትሕዝቶታት ኣብ ፋይናንስ ትኹረት ዝገበሩ ዋዛን ላግጺን (meme and satire) ከምዝኾኑ ናይቲ ገጺ እንታይነት ኣብ ዝገለጸሉ ቦታ ሓቢሩ እዩ። ነዚ ዝረኣየ ዝዀነ ሰብ ናይ ኤሎን መስክ ሙሉእ ሽም ተጠቒሙ ኣብ ትዊተር ብምእላሽ እቲ ዝተረጋገጸ (Verified) ኣካውንት ከም ዘይተኣገደ ክርኢ ይኽእል እዩ። ብዘይ ብዙሕ ድኻም ከዓ ነቲ ‘ኤሎን መስክ ተኣጊዱ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ይፈልጥ።

እሞ እዚ ሓበሬታ ኽሳዕ ክንድዚ ከጋጊ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ ?

ብዙሓት ሰባት በዚ ሓበሬታ ዝተጋገይሉ ቐንዲ ምኽንያት እቶም ኽልተ ኣካውንታት ዝጥቀሙሉ ሽም (ወይ ከዓ twitter handle) ተመሳሳሊ ስለኾነ እዩ። ብላዕሊ ክረአ ኸሎ እቲ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ሽም @elonmusk ዝብል እዩ። እቲ ናይ ሓሶት ኣካውንት ግን ኣብ ክንዲ “l” (ኤል) ዝብል ፊደል ንሱ ዝተጠቐሞ capital ‘i’ (ኣይ) ዝብል ፊደል እዩ። ትዊተር ዝጥቀመሉ Sans Serif ዝተብሃለ ናይ ፊደል ዓይነት ከዓ ኣብ ሞንጎ እቶም ኽልተ ፊደላት ዘሎ ኣፈላላይ ብቐሊሉ ምልላይ ስለ ዘይኽእል፣ ሰባት በዚ ከም ዋዛ ብዝተነግረ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክጋገዩ ክኢሎም እዮም።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ዝነበረን ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዝሰሓበ ዜና’ውን እዚ ዘጋጊ ትሕዝቶ ብስፍሓት ንኽዝርጋሕ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ይእመን እዩ።

ካብዚ ንብዙሓት ዘስሓተ ኣጋጣሚ ክንመሃሮ ንኽእሎ ነገር ከም ዘሎ ብምእማን’ውን ኢትዮጵያ ቼክ ነዚ ኣቕሪቡ እዩ። ሓበሬታ ቅድሚ ምክፋልና ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ብምግባር ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንኸይዝርጋሕ ንከላኸል።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::