መጠንቐቕታ ዝተሰሓሓተ ስእሊ!

ልዕሊ 150ሺሕ ተኸታተልቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጺ (https://www.facebook.com/AhmedJamalBoru) “ብርክት ዝበሉ ከቢድ ኣጽዋራት ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ግብጺ ተጏዓዕዝ ኣላ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምኽኒያት ኣባይ ቅልውላው ምፍጣሩ ኣይተርፍን” ዝብል መልዕኽቲ ‘ሰበር ዜና’ ምስ ዝብል ኣርእስቲ ኣሕመድ ጀማል ዝብል ሽም ዘለዎ ገጺ ስእሊ ኣተሓሒዙ ለጢፉ’ሎ።

 

ምስ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወጥሪ እንተሃለወ’ኳ፣ ኣሕመድ ዝለጠፎ ግን ዝተሰሓሓተ ፎቶ ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ቼክ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ኢትዮጵያ ቼክ ብሪቨርስ ኢሜጅ ሰርች መተግበሪ ከምዘረጋገጾ ኣብቲ ፎቶ ዝረኣዩ ነፈርቲ ትማሊ ግብጺ ንሱዳን ዝለገሰቶ 39 ቶን መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮናን መድሓኒት ሕማም ጸላም ከብዲን ዝጻዓኑ እዮም።

ተወሳኺ መረዳእታታት ንምርካብ ናይ ኢትዮጵያ ቼክ መርበብን ማሕበራዊ ሚድያ ገጺታት ይከታተሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::